Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስነሰርዓት ሰሙነ ሳስቴኔቢሊቲ ይሳተፉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ናብ ሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብ፣ ኣቡ ዳቢ ኣትዮም።

ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ መኽፈቲ ስነሰርዓት ሰሙነ ሳስቴኔቢሊቲ ይሳተፉ ኣለዉ።

ናይ ኣቡዳቢ ሰሙነ ሳስቴኔቢሊቲ (ADSW) ዘላቒ ልምዓት ነምቅልጣፍን ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ከባቢያዊን ምዕባለ ብሕቡራት ኤሚሬትስ ዓረብን ብኩባኒያ መፈልፈሊ ሓይሊን ዝተደገፈ ዓለም ለኸ መርሃ ግብሪ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ መራሕቲ ሃገራት፣  ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት፣ መራሕቲ ኩባኒያታት ቴክኖሎጂ ሓዊሱ 30 ሰባት ክምዝሳተፉ ተገሊፁ።

ኣብ ለውጢ ክሌማ፣ ሓይሊ ፀሓይ፣ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ውፅኢታዊ ኣጠቓቕማ ማይ፣ ዘላቒ ኣወጋግዳ ርስሓትን ስማርት ከተማን ዝጥምት ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ሐዚ ዘሎ ከይዲን ዕድላትን ኢንዱስትሪ ዘተ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ጉባኤ፥ ብዓውዲ ጥዕና፣ ኢነርጂ፣ ማይም ዓለም ለኸ ኣብያተ ትምህርቲን ንደቂ ሰባት ዝሓሸ ስራሕቲ ምህዞ ንዝሰርሑ  ሰስተነብሊቲ ሽልማት ተበርኪቡ።

ብኣልኣዛር ታደለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.