Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ምጥያሹ ዕላዊ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብሄራዊ ኮሚቴ ፀረ ግዕዝይና ምጥያሹ ዕላዊ ገይሮም።

ግዕዝይና ሃገር ዝበልዕ ነቀዝ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ልምዓት ሃገር ኣዕፅምቱ ክሳብ መግሃፅ አንተበፂሑ ናብ ሓደገኛ ለበዳ ተሰጋጊሩ ኣሎ ማለት ኢዩ ኢሎም።

ግዕዝይና ሃገር ከፍርስ ዝኽአል ስግኣት ድሕንነት ምዃኑ ዝኣመኑ ሃገራት ኣብ ዘበንና ርእይና ኢና፤ መዐወኒ እፃት፣ ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት፣ ዘይሕጋሪ ነግዲ ኣፅዋር፣ ናይ ንግዲ ናይ ምጭብርባር ሙስና ንመፈፀሚ ዕላመኦም ከምዝደሊዩዎ እውን ሓቢሮም።

ግዕዝይና ሎሚ ናይ ሃገርና ስግኣት ድሕንነት ኮይኑ ኢዩ ብምባል፥ ናብ ምዕባለ እንገብሮ ጉዕዞ እግርን ኢድን ኣሲሩ ንምሓዝ ማዕረ ማዕረ ፀላእትና ንሙስና አወን ንቃለስ ኣለና ኢሎም።

ዝተመዓራረየ ቢሮክራሲ፣ ዝተዋደደ መሓዉርን ዘበናዊ ኣሰራርሓን ተቓላዓይነት ግዕዝይና ስልዝቕንስ እዚኦም ንምጥፋእ ወይ ንምምዕርራይ ሙሰኛ ቀትሪን ለይቲን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ህዝብና ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ምስ መሬት ብዝተተሓሓዘ ኣሰራርሓ፣ ኣብ ዓውዲ ፋይናንስ፣ ኣብ ዕድግትን ሽይጣትን፣ ፍትሒ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ፣ ትካላት ልምዓት፣ ትካላት ህዝቢ ወዘተ ብመሰረት ዘጋምዎ ዘለዉ ተግባራት ሙስና የማርር ከምዘሎ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኣብ ዓውዲ ፀፅታ ከምዝገበሮ ኣብ ሙስና እውን ጠንካራን ዘየዳግምን ኦፕሬሽንን ምግባር ከምዘለዎ ዝተገበሩ መፅናዕቲታት ምሕባሮም ገሊፆም።

ነዚ ድማ ሕግታት፣ መምርሒታትን ኣሰራርሓታትን መንግስቲ ንሙስና ዘለዎም ተቓላዓይነት ናይ ምጥፋእ ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ተዋሳእቲ ግዕዚይና ዘቃልዕን ብሕጊ ተሓተትቲ ዝገብርን ተግባር ከምዝስራሕ ኣረጋጊፆም።

ብመሰረት እዚ መንግስቲ ኣብ ግዕዝይና ዝገብሮ ወፍሪ ዘተሓባብር፣ ብመፅናዕቲ ካብ ዝቐረቡ ብተወሳኺ ካልኦት ተዋሳእቲ ዘፅንዕን ናብ ሕጊ ንክቐርቡ ዝገብርን ብሄራዊ ኮሚቴ ምጥያሹ ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ እነትኸውን፤ ንሳቶም ድማ

  1. ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ
  2. ዶ/ር ጌዴዎን ጢሞቴዎስ
  3. ኣይተ ተክለ ወልድ ኣጥናፉ
  4. ኣይተ ሰሎሞን ሶቃ
  5. ኣይተ ደበሌ ቃበታ
  6. ዶ/ር ሳሙኤል ኡርቃቶ
  7. ኣይተ ዓብዱሃሚድ መሓመድ ከምዝኾኑ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ተዛሪቦም።

እቲ ኮሚቴ ተውሃቦ ሓላፍነት ብብንቕዓት ንክዋፃእ ደገፍ ሕብረተሰብ ከምዘድሊዮ ድማ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ሕብረተሰብ ተዋሳእቲ ግዕዝይና ብዝምልከት ዘለዎ ሓበሬታ ካብ ፅልኢ ናፃ በዝኾነ መገዲ በዞም ዝስዕቡ ኣድራሻታት ነቲ ኮሚቴ ብምልኣኽ ግዕዝይና ነምጥፋእ ኣብ ዘግበር ቃልሲ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

ስልክ ፡ 9555

አጭር የፅሁፍ መልዕክት : 9555

ድረ ገፅ ፡ http://www.9555pmo.et/

ኢሜይል : http://9555pmo.et/

ቴሌግራም ፡ https://t.me/PMOfeedback

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.