Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ  በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ በዓል እንትኽበር ብዛዕባ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነትን እናሓሰብና ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ብሓባርን ሓድነትን ምዃን ትፅቢት ዝግበረሉ ንፀሎት ጥራሕ ኣይኮነን ብምባል፥ ከም ሃገር ዝገጥመና ፈተናታት ብዓወት ንምሽጋር ብሓባር ደው ምባል የድሊ ኢሎም።

ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሕና ኢትዮጵያዊያን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ሓድነትና ኣፅኒዕና ደው እንብለሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

 

ምክንያቱ ናብ ብራኸ እንወፅእ ብምጉታት ዘይኮነስ ብምድግጋፍ፣ ብተረኽ ዘይኮነስ ብዝሰኸነ መልክዑ ብምክብባር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።

ሃገርና ዘፅንዕዋ ሰላም፣ ምትሕዝዛንን በረከትን ኢዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሰላም ህልውናኣ የፅንዕ፤ ምትሕዝዛን ድማ ሀዝባ ተኸባቢሩ፣ ተፋቒሩ፣ ተስማዕሚዑን ተኸኣኢሉን ነክነበር ይገብር ክብሉ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ንሰላም፣ ምትሕዝዛንን በረከትን ጥራሕ ኣእዳውና ንክንዝርግሕን ልቦናና ክንከፍትን ሓዳራ ኢሎም።

ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ሰናይ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ክኾን ተመኒዮም።

ዒድ ሙባረክ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.