Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ማክሮን ኣብ ፓሪስ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ፓሪስ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኣውሮፓ ዝገብሩዎ ዑደት ካብ ጣሊያንን ማልታን ቀፂሉ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣቲዮም።

ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ድማ፤ “ንፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ብምርካበይ ደስ ኢሉኒ” ኢሎም።

“ኣብ ፓሪስ ንዝተገበረልና ኣቀባብላ ነመስግን” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ እናጠንከረ እንትኸይድ ናብ ዝዓዘዘ ኢኮኖሚያዊ ውፅኢት ከምዝሰጋገር እምነቶም ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኩባንያታት ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሩዎ ኢንቨስትመንት ከምዘበረታትዑ እውን ኣፍሊጦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.