Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ብስልኪ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያትን በዓል ብዙሕ ወገን ጉዳያትን ምስ ፕሬዚዳንት ቱርኪ ሬሲፕ ጣይብ ኤርዶሃን ተዛቲና” ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ርክብ ንግዲ ንምድንፋዕን ግብረ ራዕዲ ብሓባር ንምውጋእን ከምዝተስማዕምዑ እውን ኣብሪሆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ቱርኪ ዝገበሩዎ ዑደት ስራሕ÷ ኢትዮጵያን ቱርኪን ኣብ ዓውዲታት ማይን ምክልኃልን ብምውዳድ ንምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕነት ምፍርራሞም ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.