ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳነት ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ ብቴሌፎን ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳነት ቤት ምኽሪ ኣውሮፓ ቻርለስ ሚሼል ብቴሌፎን ተዛቲዮም።
ኣብቲ ዘተ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ብምርኻብ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ዝተላዘብሎም ዛዕባታት ብዝምልከት ዝበፅሕሉ ብርኪ ርእዮም።
መንግስቲ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝበለፀ ንምስላጥ ጎን ደው ምባሉ ስዒቡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሹ እቶም ፕሬዚዳንት ተዛረቦም።
ፕሬዚዳንት ሚሼል፥ እቲ ፃዕሪ ክብ ክብል ከምዝግባእ ድማ ሓቢሮም።
ተወሳኺ መገዲ ክኽፈትን ኣገልግሎት ቴሌኮሚኒኬሽንን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን ናብ ስራሕ እንተዝኣትዉ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ እዋን ጎንፂ ንዝተጎድኡ ሰባት ዝበፅሕ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምምሕያሽ ዝውዕል 81 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዩሮ ድጋፍ እውን ዕላዊ ገይሮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም፥ ጎንፂ ሰሜን ኢትዮጵያ ብፖለቲካዊ ኣማራፂ ንምፍታሕ ናይ መንግስቲ ቁርፀኝነት ከምዘሎ ኣፍሊጡም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።