Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ብመሰረት ዝሃብዎ ኣንፈት ጉድኣት ዘጋጠሞም ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብመሰረት ዝሃብዎ ኣንፈት ብሰንኪ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም (ዶ/ር)፥ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ 15 ሓምለ 2016 ዓ.ም ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተጎድኡ ወገናት ናይ ምድጋፍ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራል ዘለውሉ ጉጅለ ኣብቲ ከባቢ ብምርካብ ነቲ ማሕበረሰብ ብምፅንዕናዕ፣ ድልየታትን ጠመተን ሰብኣዊ ደገፍ ዝደሊዩ ጉዳያት ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝወገኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ካብቲ ከባቢ ክለዓሉ ዝተገበሩ 600 ሰባት ሓዊሱ ኣብ ቀፃሊ ክለዓሉ ዝግበኦም 6 ሺሕ ዝኾኑ ተቓላዕቲ ዝተለለዩ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ጎኒ ንጎኒ እቶም ተግባራት ሰብኣዊ ደገፍ አግሪ ናይ ምትካል ስራሕ ብዝተወደበን ብመፅናዕቲ በዓል ሞያ ብዝፍለ ቦታ ንምፍፃም ቅድመ ምድላው ይግበር ከምዘሎ ሓቢሮም።

ብሓፈሻ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ብመሰረት ዝሃብዎ ኣንፈት ጉድኣት ዘጋጠሞም ወገናት ናይ ምድጋፍ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.