Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማሊ ሃምዛ ዓብዲ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከባ ትካላት ልምዓት ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማሊ ሃምዛ ኣብዲን ልኡኾምን ምስ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ይልቃል ከፋለ ብምዃን ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከባ ትካላት ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።

ኣብ ዑደቶም ድማ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ ተለዋጢ ሓዱሽ ድልድል ሩባ ኣባይ ሓዊሱ፤ ሩባ ኣባይ፣ ጣናን ሓፈሻዊ ምስሊ እታ ከተማን ተዓዚቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቃላይ ጣና ካብ ዝርከቡ ገዳማት እቲ ሓደ ዝኾነ ደብር ማርያም፤ ሩባ ኣባይ ምስ ጣና ዝራኸበሉ “ኣባይ ራስ” ኣብ ዝተብሃሉ ቦታታትን ካልኦትን ዑደት ኣካይዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.