Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን 25 ኣባላት ዘለዉዎ ሓዱሽ ካቢኔ ኣጣይሾም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ 25 ኣባላት ዘለዉዎ ሓዱሽ ካቢኔ ኣጣይሾም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሓድሽ ካቢኔኦም፥ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ ስምምዕ ሰላም ካብ ዝኸተሙ ሸውዓተ መራሕቲ ዕጡቓት ነበር ኣካቲቶም ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣሳታፊ ዝኾነ መንግስቲ ንምምስራት ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ነቲ ዝፀንንሐ ካቢነ ምፍራሶም ይፍለጥ።

ክልተ ሚኒስተራት ካብ ሰራዊት ክምረጹ እንከለው፤ ካልኦት መብዛሕትኦም ካብቲ ንዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ሰልፍታት ተቓውሞ ዝመርሕ ዝነበረ ሓልታት ንናፅነትን ለውጥን እዮም።

እታ ሃገር ብልዑል መጠን ቁጠባዊ ዝቑባበን ሕጽረት መግብን ነዳድን ኣብ ወጥሪ ኣብ እትርከበሉ ዘላ እዋን፥ መዝነት ሚኒስተር ፋይናንስ ንነበር መራሒ ዕጡቓት ዝነበረ ክኢላ ስነ-ቁጠባ ጅብሪል ኢብራሂም ተዋሂቡ ኣሎ።

ጓል ናይ  መወዳእታ ዴሞክራሲያዊ ምርጫ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዝነበረ ሳዲቕኣል-ማህዲ ዝኾነት ሚርያም ኣል-ሳዲቕኣል-ማህዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ንኽትከውን፥ ብቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ተሓሪያ ኣላ።

እቲ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ካቢኔ፥ እታ ሃገር ብሄራዊ መረፃ ክሳብ ተካይደሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዘሎ እዋን ኣብ መዝነቶም ከምዝፀንሑ ተገሊፁ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.