Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዞባ ጌደኦ ወረድ ገደብ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መሪቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጌደኦ ወረድ ገደብ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ባንቆ መሪቐን።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ቀዳማይ ዙር ኣብ ኩለን ክልላት ካብ ሞንጎ ዘህነፆም 20 ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ክልል ደቡብ ካብ ዝተሃነፁ 3 ኣቢያተ ትምህርቲ ሓደ ዝኾነ ኣብ ዞባ ጌዴኦ ወረዳ ገደብ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ተመሪቑ ዘሎ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብቲ ክልል ዘህነፆም ኣቢያተ ትምህርቲ ብር 30 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም እንትኾኑ፥ ኣብ ዞባ ጌዴኦ ወረዳ ገደብ፣ ኣብ ዞባ ሸካ ወረዳ ማሻን ዞባ ኦሞ ወረዳ ሃመርን ይርከቡ፡፡

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ባንቆ ዳዳቱ፥ ቤተ ፈተነ፣ መምሃሪ ክፍሊታትን ቤተ መፃሕፍቲን ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.