Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ቦንጋ ዘህነፀኦ ፋብሪካ ባኒ መሪቐን ከፊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ቦንጋ ዘህነፀኦ ፋብሪካ ባኒ ብምምራቕ ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።

እቲ ፋብሪ ኣብ 2 ነጥቢ 4 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን÷ ኣብ መዓልቲ 300 ሺሕ ባኒ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ኢትዮጵያ ንምህናፅ ካብ ሞንጎ ዝሓሰቦም 12 ፋብሪካታት ባኒ ሻድሻይ ፋብሪካ ኣብ ከተማ ቦንጋ መሪቐን ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይረን።

ብሓገዘ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሜድሮክ ዝተሃነፀ እቲ ፋብሪካ÷ ፋብሪካ ሕሩጭን መኽዘኒ እኽሊን ዘጠቓለለ ኢዩ።

ቀዳማዊት እመቤት ካብዚ ብተወሳኺ÷ ኣብ ከተማ ቦንጋ ንዝህነፅ መዕርፎ ነፈርቲ እምነ ኹርናዕ ኣንቢረን።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካብታ ከተማ 11 ኪሎ ሜትሮ ርሕቐት ዝርከብ እንትኸውን÷ ህንፀት ንምክያድ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምፅራይን ምስንዳእ ቦታን እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ተገሊፁ።

ብሜሮን ሙሉጌታ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.