Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ብቤት ፅሕፈተን ኣቢሉ ኣብ ቤኒሻንጉል ጉምዝ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ መሪቐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ብቤት ፅሕፈተን ኣቢሉ ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ ዞባ መተከል ጣቢያ ወላምባ ዝተሃነፀ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዋላምባ ብርሃን መሪቐን።

እቲ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን በር ወፃኢ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ኣብ ከልተ ፈረቓ 1 ሺሐን 800 ተምሃሮ ናይ ምምሃር ዓቕሚ ዘለዎ አንትከውን፥ ኣብ ውሽጡ ቤተ ፈተነ፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ቤተ መፃሕፍቲን ላቦራቶሪ ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

እተን ቀዳማዊት እመቤትነቲ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን መምሃሪ ጥራዝ፣ ኮሙፒውተራት፣ ሶላር መብራህቲ፣ ቴርሞ ሜትርን ጫማን ደገፍ ገይረን።

ብፍረህይወት ሰፊው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.