Fana: At a Speed of Life!

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ክገብራ ኢየን።

እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሕብረት ኣፍሪካን ክዛተያ ኢን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ዑደት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ጣሊያን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ሓገዝ ምጥንኻር ቀንዲ ዛዕባ ፃንሒተን ከምዝኸውን ተገሊፁ።

እተን ሃገራት ኣብ ዝካፈለኦም ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ልዝብ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.