Fana: At a Speed of Life!

ቀዋሚ ኮሚቴ ዝተጓተቱ ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ብቕልጡፍ ምዝዛም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ መስኖን ኢነርጂን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ማእኸላይ፣ ደቡብን ምዕራብን ጎንደር ኣብ ከይዲ ህንፀት ዝርከቡ ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ተዓዚቡ።

ትዕዝብቲ ዝተገበረሎም ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ መገጭ፣ ርብን ሰረባን፥ ሕብረተሰብ ተስፋ ዝገበረሎም ዓበይቲ ፕሮጀክታት ስለዝኾኑ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ንፀገማት መፍትሒ ኣንፈት ምቕማጥ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣካቢት እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ወይዘሮ ፈትያ የሱፍ፥ ፕሮጀክት መስኖ መገጭ ኣብ 2005 ዓ.ም ዝተጀመረ ይኹን እምበር ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ከምዘይተዛዘመን ካልኦት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ንነዊሕ እዋን ምድንጓዮም ኣብ በጀት ይኹን ኣብ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዝፈጠሮ ፅዕንቶ ከቢድ ከምዝኾነ ቅርታ ሕብረተሰብ ምፍታሕ ይግባእ ኢለን፡፡

ዓቕሚ ኮንትራክተራት ምጉልባት፣ ኣድለይቲ እታወታት ብምቕራብን ደኺሙኒ ሰልኪዩኒ እንተይበሉ ብምስራሕን ተፈፃሚነት እቶም ፕሮጀክታት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ሚኒስትር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂር ስለሽበቀለ ብግደኦም፥ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ተናቢቦም ብምስራሕ ንተፈፃሚነት እቶም ፕሮጀክታት ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱን ብቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ኣቢሉ ድማ ተወሳኽቲ ማሽነሪታት ብምቕራብ ከምኡ እውን ሓዱሽ ጉጅለ ብምጥያሽ ንምዝዛም እቲ ፕሮጀክት ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ገሊፆም፡፡

ኣማኻሪ ተፀዋዕቲ ትካላት ፕሮጀክት መስኖ መገጭ ኢንጂነር ይርጋ ኣበባየ፥ እቲ ፕሮጀክት 68 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ምዝዛሙ ብምሕባር ኣብ ወርሒ ሕዳር 2014 ከምዝዛዘም ገሊፆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.