Fana: At a Speed of Life!

ቀዋሚ ሲኖዶስ ምስ ምምሕድር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕለተ ሰሉስ ክዛተ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት 4፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ምስ ምምሕድር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ንምዝታይ ተተሒዙ ዝነበረ ቆፀራ በዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ንዕለተ ሰሉስ ከምዝተቐየረ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ክካየደሉ ዘይከኣለ ምኽኒያት፥ ትማሊ ዝተጀመረ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ እውን ብምቕፃሉ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዘለዎ ኮይኑ ብመክትል ከንቲባ ዝተመርሐ ጉጅለ ኣመራርሓ ኣብ ቤት ፅሕፈት መንበረ ፓትሪያሪክ ብምርካብ ምስ ብፁኣን ኣባላት ቀዋሚ ሲኖዶስ ዝተላዘበ እንትኸውን፥ በዚእውን ኣብ ዝቕፅል ዕለተ ሰሉስ ዘተ ብዛዕባ ዝግበረሉ ኩነታት ምዝርራቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.