Fana: At a Speed of Life!

ቀንዲ ጠመተና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ኢዩ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ህልው እዋናዊ ጉዳያት ዝጠመተ መግለፂ ሎሚ መዓልቲ ሂቦም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ዝዓመሞም ዕማማትን ብርኪ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣድሂቡ ምስ መንግስቲ ፌደራል ከምዝገምገመ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥  ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝሰርሖም ስራሕቲ፣ ትግበራ ውዕሊ ስምምዕ ሰላምን ካልኦት ክልላዊ ዛዕባታትን ብዝምልከት ምስ መንግስቲ ፌደራል ልዝብ ከምዝተገበረሎም ሓቢሮም።

ብወገን ግዝያዊ ምምሕዳር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ዋላ እኳ እንተተዓመመ ብዙሓት ስራሕቲ ይተርፉና እዮም ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ስራሕቲ ልምዓት ብዝተዋደደ መልኩዑ ንምስራሕ ንንቀሳቐስ ኣለና ኢሎም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ቀንዲ ጠመተና ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.