Fana: At a Speed of Life!

ቀንዲ ተግባራር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀንዲ ተግባራር ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያ።

– ትካላዊ መስተጋብር ብምፍጣር ለምዲታት ምውሳድን ንከይዲ ሃገራዊ ዘተ ዝረብሑ ቅድመ መፅናዕቲ ምክያድን

እቲ ኮሚሽን ብመሰረት ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ቁፅሪ 1265/2014 ዓንቀፅ 9 (2) ቅድሚ ሐዚ ኣብ መንግስታዊን ዘይ መንግስታዊን ትካላት ዝተገበሩ ከይዲ ሃገራዊ ዘተን ዝተረኸቡ ውፅኢታትን እናፅነዐ፣ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘካይዶም ሃገራዊ ዘተታት ብእታዎትነት ክጥቀም ከምዘለዎ ተደንጊጉ ኢዩ።

ብመንፅር እዚ እቲ ኮሚሽን ኣግባብነት ምስ ዘለወን ትካላት ብምዃን ናይ ምትሕብባር ሜላ ብሓባር ብምሕንፃፅ ምስተን ትካላት ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

– ህዝባዊ ዘተታት ምግባር

እቲ ኮሚሽን ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ መስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ህዝባዊ ዘተታትን ምፍላጥን ኣካይዱ ኢዩ።

ብመሰረት እቲ መጣየሺ ኣዋጅ 1265/2014 ዓንቀፅ 9 (3) ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ፖለቲካን ሓሳብን ከምኡውን ክፋላት ማሕበረሰብን ሃገራዊ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ዘለዉ ኣፈላላያት ብመፅናዕቲ፣ ህዝባዊ ዘተታት ብምጥቃም ምልላይ ከምዘኽእል ተገይሩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝገበሮ ክልተ ዙር ዘተ በቢከባቢኡ ዘለዉ ክፋላት ማሕበረሰብ ምርካብ ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ ኣብቲ ኮሚሽን ዘለዎም እምነት ነኽውስኽ ሓገዝ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

– ንተሳተፍቲ ከይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ብጉጅለን ውልቀን ምፍላይ

ብመሰረት መጣየሺ ኣዋጅ እቲ ኮሚሽን 1265/ 2014 ዓንቀፅ 9 (5) እቲ ኮሚሽን ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ኣካላትን መላእ እዛ ሃገር ዝውከሉ ተሳተፍቲ ዝሳተፉሉ፣ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ኣኼባታት እቲ ዘተ ብደረጃ ፌዴራልን ክልልን ንክካየዱ ንከጠዓዕም ሓላፊነት ተዋሂቡዎ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከይዲ ምትእኸኻብ ኣጀንዳ ዝሳተፉ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ መዳርግቲ ኣካላት ኢሉ እውን ውልቀ ሰባት ካብ ወረዳታት፣ ክልላትን ፌዴራልን ብምልላይ እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሐዚ እዋን ቁልፊ ተግባራት የካይድ ኣሎ።

– ትካላት ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማን ፌዴራልን ከይዲ ምዕራፍ ዘተን ምትእኽኻብ ኣጀንዳን ምክያድ

እዚ ከይዲ፥ ኣጃንዳታት ካብ ክልል፣ ፌዴራልን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ምእካብ ኢዩ።

በዚ ከይዲ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ተግባር ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከይዲ ሓሙሽተ መዳርግቲ ኣካላት ተሳቲፎም። እዚ ተግባር ኣብ ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገር እውን እናተኻየዱ ክቕፅሉ ኢዮም።

– ጉባኤ ሃገራዊ ዘተ ምስላጥ

ግልፅን ኣሳታፊን ብዝኾነ ኣገባብ ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት ንቤት ምኽሪ እቲ ኮሚሽን በቢዓይነቶም ድሕሪ ምቕራቦም ናብቲ ጉባኤ ዝቐርቡ ኣጀንዳታት ይቕረፁ።

ብመሰረት እቲ ከይዲ ተሳትፎ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ኣዝዩ ኣድላዪ ስለዝኾነ እቲ ኮሚሽን ኩሎም ኣካላት ሓሳቦም ብናፅነት ዘቕርቡሉ ምቹእ ኩነታት ይፈጥር።

– ውፅኢት ሃገራዊ ዘተ ምቕራብ

ኣብ ሃገራዊ ዘተ ዝተረኸቡ ምኽረ ሓሳባትን ርካቦታትን ንዝተፈላለዩ ኣካላት ምቕራብ ዝብል እቲ ኮሚሽን ብኣዋጅ ቁፅሪ 1265/ 2014 ዓንቀፅ 9 (10) ዝተውሃቦ ሓላፍነት ኢዩ።

ብመሰረት እቶም ሓሳባት ኣብ ተግባር ክውዕልሉ ዝኽእሉ በልሓት ዝገልፅ ሰነድ ብምስንዳእ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣፈፃሚ ኣካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲን ህዝብን ዕላዊ ይገብር።

ፍልፍል፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.