ቀንዲ ምኽኒያት ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ናይ ዝለዓል ዝነበረ ቅርታ ሕፅረት ፓስፖርት ከምዝኾነ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀንዲ ምኽኒያት ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ናይ ዝለዓል ዝነበረ ቅርታ ሕፅረት ፓስፖርት ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት፥ እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ 30 መዓልታት እንትሰርሖም ዝነበሩ ስራሕቲ ዝጠመተ መግለፂ ሂበን።
ሕፅረት ሕትመት ፓስፖርት ቀንዲ ፀገም ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፣ ስርቅን ግዕዙይ ኣሰራርሓን ነቶም ቅርታታት ምኽኒያት ከመዝኾኑ ሓቢረን።
እቲ ፀገም ንምቕራፍ 190 ሺሕ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ተሓቲሙ ናብ ውሽጢ ዓዲ ከምዝኣተወ እተን ዳይሬክተር ተዛሪበን።
ፓስፖርት ንምውሳድ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 6 ኣዋርሕ ንዝፀንሑ ዜጋታት ፓስፖረት ናይ ምሃብ ስራሕ ከምዝስራሕ ተገሊፁ።
ካብ 5 መስከረም 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ቀጥታ (online Visa) ኣገልግሎት ክጅመር ኢዩ ኢለን።
ቆፀሮ ፓስፖርት ዝሓለፎ ሰብ ኩሉ ግዘ ዕለተ ቀዳም እናመፅአ መትእንጋድ ከምዝኽእል ተዛሪበን።
ብመሳፍንት እያዩን ሳሙኤል ወርቃየሁን