Fana: At a Speed of Life!

ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መለክዒ መሰረት ብምግባር ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መለክዒ ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መለክዒ መሰረት ብምግባር ከምዝተሳለጠ ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ከበደ ይማም ገሊፆም።

መርሃ ግብሪ ቅድመ ምድላው ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ቅድሚ መዓልቲታት እንትካየድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክብ ምባል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም ነይሮም፡፡

ዋና ዳይሬክተር ልምዓት ደኒ ኢትዮጵያ ከበደ ይማም÷ ደኒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ልምዲ ምስ ዘለዎም ትካላት ብምዃን ሕዚ ዝርከበሉ ኩነታት ከምዝተፀንዐ ተዛሪቦም።

ኣብቲ መፅናዕቲ፤ ዓለም ለኸ ማእኸል ምርምር ደኒ፣ ሴንተር ፎር ትሮፒካል ኣግሪካልቸር፣ ኮሌጅ ደኒን ሃፍቲ ተፈጥሮን ወንዶ ገነትን ኢንስቲቱት ስፔስ ሳይንስን ጅኦ ስፓሻልን ኢትዮጵያን ዝተሳተፉሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ከይዲ መፅናዕቲ ዝተኻየደ ድማ ብመሰረት መለክዒ ኮንቬንሽን ክሌማዊ ለውጢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.