Fana: At a Speed of Life!

ሽግ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ድሬዳዋ በፂሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ ሕዳር 7፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መግለፂ መበል 15 በዓል ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ዝኾነት ሽግ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ድሬዳዋ በፂሓ።

ኣብ ክልል ሃረሪ ዝፀንሐት እታ ህብረ ብሄራዊት ሽግ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣቲያ ኣላ።

እታ ሽግ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሃረሪ ወይዘሮ ኣዲስ ኣለም በዛብህ ንኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ድሬዳዋ ወይዘሮ ፋጡማ ሙስጠፋ ኣረኪበን።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣቀባብላ፥ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ኣባላት ካቢኔን፣ ላዕለዎት ኣመራርሓ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ተረኺቦም።

እታ ሽግ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ድሬዳዋ ከተማ ፃንሒት ምስገበረት ናብ ክልል ዓፋር ምፍናው ከምዝግበረላ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.