Fana: At a Speed of Life!

ሽዱሽተ ዓሰርተ ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮ – ፓኪስታን ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣2013 (ኤፍ ቢሲ)ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ዘቑፀረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮ – ፓኪስታን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ እፀገነት መንግስቱ ገሊፀን።

እተን ምክትል ኣፈ ጉባኤ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝኾና ሾዛብ ኣባስ ናብ ቢሮአን ተቐቢለን ዘዘራረባ እንትኾና፥ ኣብ ክልተኣዊ ርክብን እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ዓሚቕ መብርሂ ሂበን።

ምጥንኻር ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ርክብ ኢትዮ – ፓኪስታን ረብሕኡ ዝዓዘዘ ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ እፀገነት፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ምጥንኻር ድሌት ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ለውጢ ከምዝኾነት እውን ነቶም ኣምባሳደር ገሊፀናሎም።

ኣምባሳደር ሾዛብ ኣባስ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ለውጢ ዝነኣድ ከምዝኾነን ፓክስታን ምሕዝነት ኢትዮጵያ ከምትደሊን ብምግላፅ፤ ካብ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ርክብ ብተወሳኺ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንክጠናኸር ከምዝግባእ ገሊፆም።

ፍልፍል፦ ዳይሬክቶሬት ርክብ ህዝቢን ኮሙዩኒኬሽንን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.