Fana: At a Speed of Life!

ሽልማት ፍረወይኒ ብጉዳይ ተፈጥሮ ንዝሽቑረራን ካብ ትምህርተን ንዝተኣጓጎላን ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ዓወት ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይና ብምዕዋታ ናይ “እንኳዕ ደስ በለኪ” መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ፕሬዚዳንት ሳህለ-ወርቅ ብማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፥ “ኢትዮጵያዊት ፈጣሪት ስራሕ ፍረወይኒ መብራሕቱ ጅግና ሲኤንኤን ኮይንኪ ብምዕዋትኪ እንኳዕ ደስ በለኪ” ኢለን።

ሽልማት ፍረወይኒ ብጉዳይ ተፈጥሮ ንዝሽቑረራ፣ ካብ ትምህርተን ንዝተኣጓጎላን ንዘቛርፃን ከምኡ እውን ካብ ካልኦት ሰባት ዝተሓታ ንዝመስለን ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ዓቢዪ ዓወት ከምዝኾነ እተን ፕሬዚዳንት ኣፍሊጠን።

ፕሬዚዳንት ሳህለ-ወርቅ፥ ኣብ ደቂ ኣነስትዮ ንዝረአዩ መሰል ፀገማት ብዘላቒነት ንምፍታሕ ኩሉ ሕብረተሰብ ክተሓባበር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይን ወይዘሮ ፍረወይኒ መብራህቱ ጅግና ሲ ኤን ኤን ዓመተ 2019 ኮይና ብምዕዋታ ናይ “እንኳዕ ደስ በለኪ” መልእኽቲ ምምሕልላፎም ይፍለጥ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.