ሺ ጂንፒንግ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ኣካል ግሪን ቤልት ኤንድ ሮድ ኮይኑ ክድገፍ ከምዝኽእል ኣረጋጊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ምስ ጉጅለ ልኡኻቶም ብምዃ ኣብ ቻይና ዓብዪ ኣዳራሽ ህዝቢ ክልተኣዊ ልዝብ ኣካይዶም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኢንቨስትመንት ቻይና ንብራኸ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ኣልዒሎም፡፡
ብፍላይ ድማ ኣብ ሓሙሽተ ቁልፊ ዓምዲታት ማለት እውን÷ ኣብ ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኣይሲቲ፣ ልምዓት መዓድን ቱሪዝም ተወሳኺ ኢንቨስትመንት ንኽህሉ ናይ መበረታትዒ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፕሬዚዳንት ሺ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ብሪክስ ብምፅምባራ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎምዎም፡፡
ርክብ ኢትዮጵያን ቻይናን እውን ካብ ኩለመዳይ ፅኑዕ ርከልብ ናብ ኩነታት ዘይብደሆ ስልታዊ ንትሕብባርን ምሕዝነትን ክብ ምባሉ ብዕሊ ኣብሲሮም።
መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ዝነኣዱ እቶም ፕሬዚዳንት÷ ምስ ፖሊሲ ሓምለዋይ ልምዓት ቻይና ዝናበብ ብምዃኑ ኣካል ግሪን ቤልት ኤንድ ሮድ ኮይኑ ክድገፍ ከምዝኽእል ኣረጋጊፆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com