Fana: At a Speed of Life!

ሸሊኹ ዝወፅአ ሰነድ ህወሓ እቲ ጉጅለ ምስ ራዕዳውያን ዘለዎ ርክብ ብግልፂ ዘርአየ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስ ካልኦት ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን  ሕብረት ፈጢሩ እናሰርሕ ከምዝኾነ ሸሊኹ ዝወፅአ ምስጢራዊ ሰነድ ህወሓ ሰነዱ የመልክት።

እቲ ጉጅለ ኣብ ዘውፀኦ “መዛዘሚ ምዕራፍ ኣካይዳን ስትራቴጂን” ብዝብል ዘሰናደኦን ሸሊኹ ዝወፅአን እቲ ሰነድ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ኣጋር ቃልሱ ከምዝኾነ ይሕብር።

ግብረ ራዕዲ ሸኔ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖ እውን እቲ ሰነድ ኣረጋጊፁ፡፡

ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ ሸኔ ዝወሰዶ ስጉምቲ ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሖም እቲ ሰነድ “ኣብ ግምባር ዝርከቡ ኣመራርሓታት ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ከምዝነግሩና ልዑል ጉድኣት እናበፅሖም ከምዝኾነን ሜላ ቃልሲ ምቕያር ናይ ግድን ከምዝኾኖምን ምርኣይ ተኻኢሉ ኢዩ” ክብል ይትንትን፡፡

ምስ ኣመራርሓ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ጃል ሚልኬሳ ብሕቡእ ኣብ ዝበርናዮ ዘተ፤ ኣብ ሓፂር እዋን ኣመራርሐኦም ናብ ዝምቹ ከባቢ (ናብ ጎረባብቲ ሃገራት) ስልታዊ ምንስሓብ ዝገብሩሉ ኩነታት ንኽመዓራረን ናይ ምክልኻል ዓቕሚን ድልውነትን ዘይብሎም ኣባላት ሰራዊት እንተተኻኢሉ ዩኒፎርሞም ደብሪዮም ናብ ህዝቢ ንኽፅምበሩን ክሕብኡን፤ እንተዘይተኻኢሉ ድማ ንሓይሊታት መንግስቲ ኢዶም ምሃብ ዝሐሸ ኣማራፂ ከምዝኾነ ኣልዒሉ ከምዝነበረ እቲ ሰነድ ገሊፁ፡፡

ኣብዚ ሰነድ ብግልፂ ምርዳእ ዝከኣል ህወሓት ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ምትእስሳር ብምፍጣር ነቲ ጉጅለ ብዕምቆት ብምፍላጥ ፈሊጡ ተሓባቢሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኢዩ።

“ኣካይዳ ፌዴራልን ክልል ኦሮሚያን ብምብልሻው ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝግበር ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልሲ ናይ ቀረባ ሓገዝቲ ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ ስለዝኾኑ” ክብል እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ንናፅነት ግምባር ኦሮሞ (ኦነግ) ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታውን ስልጣን ንመሓዝን ብድሕሪኡ ድማ ኣርሒቑ ከምዝደርበዮ ሕዚ እውን ንተመሳሳሊ ልኡኽቶ ክዝጥቀመሉ ብግልፂ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ህወሓት ምስ ካልኦት ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ዘለዎ ርክብ ዘርኢ ካልእ ክፋል እቲ ሰነድ ብዛዕባ ኣልሸባብ ዝፅርሕ ክፍሊ ኢዩ።

“ኣብ ክልል ሶማሌ ምስ ዝንቀሳቐሱን ሓበራዊ ፀላኢና ዝኾነን መንግስቲ ምስ ዝቃለሱ ዋህዮታት ኣልሸባብን ተቓለስቲ ኦጋዴንን ሓገዝ ልውውጥ ሓበሬታ ከምኡ እውን ስትራቴጂካዊ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ” ክብል ሓቢሮም ከምዝሰርሑ ኣኣቃሊዑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሸሊኹ ዝወፅአ ምስጢራዊ ሰነድ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘረጋግፆ፥ ጉጅለ ህወሓት ሃገር ንምፍራስ ምስ ካልኦት ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ሕብረት ፈጢሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኢዩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.