Fana: At a Speed of Life!

ስፔን ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔን ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምስ እንግሊዝ ኣብ ዝገበረቶ ንመበል ራብዓይ ግዘ ተዓዋቲት ፅዋዕ ዩሮ 2024 ብምዃን ተዓዊታ።
እቲ ፀወታ ኣብ ስታድየም ኦሎምፒያ በርሊን ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ልዕሊ 74 ሽሕ ደጋፊ ኣትዩ ተኸታቲሉዎ።
ስፔይን ንእንግሊዝ፣ ፈረንሳይን ኔዘርላንድስን ብተመሳሳሊ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ኢያ ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ በፂሓ።
ሃገረ ጀርመን ዘሰናደአቶ ፀወታ ዩሮ 2024፥ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ተኸንቢቱ።
ስፔይን ሎሚ ምሸት ኣብ ዝገበረቶ ፀወታ፥ ኒኮ ዊልያምን ሚካኤል ኦይራዛባልን ንሕድሕዶም ብዘቑፀርወን 2 ሸቶታት ኣብ ልዕሊ እንግሊዝ 2 ን 1 ተዓዊታ።
ንእንግሊዝ ካብ ስዕረት ዘየናገፈት ብሕታዊት ሸቶ ድማ ኮል ፓልመር ኣቑፂሩዋ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.