Fana: At a Speed of Life!

ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ን20 ሺሕ ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ኣብ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ 20 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ንመሃብ ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብቲ ሆስፒታል ብምርካብ ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ አሰር ኣንቢረን።

ዶክተር መቅደስ ኣብቲ በመርሐ ግብሪ ኣብ ዝገበረኦ መደረ ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ሓለዋ ከባቢ ይኹን ማሕበራዊ ጥዕና ብቕንዕና ከገልግሉ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ሰራሕተኛታት እቲ ሆስፒታል ኣብ ኣገልግሎት ወለንታ እዚ ክረምቲ ኣብ ማእኸል መሐብሐቢ ሕሙማት ኣእምሮ ጌርጌሴኖ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ንመሃብ ምድላዎም ንኢደን።

ተጠባባቒ ፕሬዚዳት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳሙኤል ክፍሌ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን እቲ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዝዓዘዘ ግደኦም እናተዋፅ ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ “ሕራይ ንሰናይ ተግባር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ ኣገልግሎት ወለንታ ንመሃብ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

በዚ ኣገልገሎት ወለንታ ን20 ሺሕ ዜጋታት ናፃ ኣገልግሎት ሕክምና ንመሃብ ከምዝተሓሰበ እውን ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.