Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ቀዳማይ ሃገር ለኸ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሃገር ለኸ ውድድር ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ተጀሚሩ። ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት እቲ ፀወታ፥ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሊዳሞ፣ ተወከልቲ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍሪካን ኬንያዊ ኣትሌት ፖል ቴርጋትን ተረኺቦም። እቲ ፀወታ ካብ ሎሚ መዓልቲ 21 ጉንበት ክሳብ 4 ሰነ 2014 ዓ.ም ከምዝካየድ ተሓቢሩ። ብጌታቸው ሙለታ
Read More...

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ልኡኽ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ን4ይ ግዘ ኣብ ዳሬሰላም ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ምብራቕ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተሳተፈ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሉ። ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ሚኒስትር ዲኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣…

ኣብ ዳሬ ሰላም እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዳሬ ሰላም እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ 20ን 18 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ቀኒዑዎም። ኣብ ዝተኻየዱ መኽፈቲ ውድድራት፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት 9 ወርቂ፣ ሓደ ብሪን ሓደ ነሓስን ሜዳሊያታት ኣኪቦም፡፡ ብሓፈሻ 11 ሜዳሊያታት ብምእካብ ውድድሮም ምጅማሮም ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ትገብሮም ፀወታታት ናይ መዓልቲ ለውጢ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ትገብሮም ፀወታታት ናይ መዓልቲ ለውጢ ከምዝተገበረ ካፍ ኣፍሊጡ። ብኣሳዳእነት ኮትዲቧር ከም ኣቆፃፅራ ኣውፓውያን 2023 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ፀዋዕ ኣፍሪካ ተሳታፊ ንምዃን ዝግበሩ መፃረዪ ፀወታት ድሕሪ መዓልቲታት ዝጅምሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ምድብ “መ” ምስ ግብፂ፣ ጊሚም…

ፅዋዕ ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፅዋዕ ዓለም 2022 ኳታር ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንምርኢት ዝቐርብ  ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ፡፡ ነበር ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ጋንታ ባርሴሎና ብራዚላዊ ጁሊያኖ ቤሌቲ እታ ፅዋዕ ሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝኣተወ ተገሊፁ። እታ ፅዋዕ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ…

ኣብ ፕሪሜርሊግ ጋንታ ሲዳማ ቡና ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሜር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሲዳማ ቡና ተዓዊታ። ምስ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ዝተራኸበት ጋንታ ሲዳማ ቡና 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ። ጊት ጋትኩት፣ ይገዙ ቦጋለን ሃብታሙ ገዛሀኝን ሲዳማ ንኽትዕወት ሽቶታት ኣመዝጊቦም። ብሕታዊት ሽቶ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ድማ ዓሊ ሱሌማን ኣመዝጊቡዋ።

ን28 ተፃወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ሃገራውያን ማላዊን ግብፂን ንትገብሮ ፀወታ ን28 ተፃወትቲ ፃውዒት ቀሪቡ። ብኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፥ 25ን 29 ጉንበት ምስ ሃገራውያን ጋንታታ ማላዊን ግብፂን ትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ምድብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2013 ኣብ ማላዊ…