ስፓርት
ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ኣግሊሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ከምዘግለለ ዕላዊ ገይሩ።
እቲ ተፃዋቲ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግለለ ብምግላፅ ኣብ ዝተረፈ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ፀወትኡ ምስ ጋንትኡ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ትኹረት ከምዝገብር ኣፍሊጡ።
ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014 ጀሚሩ ነሃገሩ ፈረንሳይ ምፅዋት ዝጀመረ ግሬዝማን÷ ፅዋዕ ዓለም ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓወታት ዓቲሩ ኢዩ።
ንሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ዝገበሮም ፀወታታት 44 ሸቶታት ከመዝግብ ክኢሉ።
Read More...
ጋንታ ወልቂጤ ከተማ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሰሪዛ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታ ኩዕሾ እግሪ ወልቂጤ ከተማ ካብቲ ሊግ ከምዝሰረዛ ኣፍለጡ።
እታ ጋንታ ንዘበነ ውድድር 2017 ናይ ጋንታ ላይሰንሲንግ ምዝገባን ካልኦት ዝተቐመጡ መለክዒታትን ብዘይምምላኣ ኢያ ካብቲ ሊግ ተሰሪዛ ዘላ፡፡
ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ÷ ሓንቲ ጋምታ ንዘበነ…
ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሻድሻይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን።
እቲ ፀወታ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ አንትኸውን፥ ዮስኮ ጋቫርዲዮል ብዘቑፀራ ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ነቲ ፀወታ መሪሓ ነይራ።
ይኹን እንበር ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ኣንቶኒ ጎርደን ብፍፁም…
ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ።
እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቕት 1 ደቒቕ 57 ሰከንድን 43 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብዓወት ዛዚማ፡፡
ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ።
እቲ ጉያ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ዝተዳለወ እዩ።
ዕላምኡ ድማ፥ እቲ ከባቢ ንምፍላጥን መናእሰይ ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ንምግባርን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ካብ መሸጣ…
ራፋዬል ቫራን ጫማ ሰቒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮኸብ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይን ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ማንቼስተር ዩናይትድ ራፋዬል ቫራን ፀወታ ጠጠው ከምዘበለ ኣፍሊጡ፡፡
ቫራን ኣብ ዝሓፈ ክረምቲ መስኮት ዝውውር ንጋንታ ማቼስተር ዩናይትድ ብምልቃቕ ናብ ጣሊያናዊት ጋንታ ኮሞ ምፅምባሩ ይፍለጥ፡፡
ኣብታ ሓዳሽ ጋንትኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን…
ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ክተሕድስ ምዃና ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ውሩይ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ብክልተ ቢሊየን ፓውንድ ወፃኢ ክተሐድስ ምዃና ኣፍሊጣ፡፡
እቲ ሕድሳት እንትዛዘም ዓቕሚ መሓዝ ተመልከትቲ እቲ ስታዲየም ልዕሊ 100 ሺሕ ከምዝኸውን ተገሊፁ።
ሕድሳት እንትዛዘም ኣብ ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ሰባት ክጉብንዩዎ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ…