Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ኣብ ዘለዉ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ሰሙን መርሃግብሪ ፀወታታት ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ምስተኻዱ፤ ብምኽንያት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት ጋንታ ተቛሪፁ ይርከብ። ኣብዚ ዓመት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ከተማ ወልቂጤ ካብቲ ውድድር ምስራዛ ስዒቡ ብ18 ተሳተፍቲ ጋንታታት እናተኻየደ እንትኸውን÷ ካብ 4ይ ሰሙን ንደሓር…
Read More...

ኤርሊንግ ሃላንድ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኖርዌይ ኮይኑ

ኣዲስ አበባ፣ ጥቅምት 1፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኖርዌያዊ ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብ 36 ዓለም ለኸ ፀወታታት ብዘመዝገበን ሸቶታት ናይ ሃገሩ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ። ወዲ 24 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ትማሊ ምሸት ኣብ ፀወታ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ሃገሩ ኖርዌይ ንስሎቫኒያ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ…

ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 45 ሻምፕዮንስ ሊግ ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣፍሪካ 2024 ንምስታፍ ኣብ ሞሮኮ ትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ መዓንቲ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ። 16 ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣብ ዝሳተፋሉ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ጋንታታት ኣል ኣህሊ፣ ኢትዮል ዲ ኮንጎን ሴንተር ዲ ፎርሜሽን ስፖርቲቭ…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ  መበል ሳልሳይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኤልዶሬት ይካየድ ኣብ ዘሎ  ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ መበል ሳልሳይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ። እቲ ውድድር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

3 ጋንታታት ኩዕሾ ኢድ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ክሳተፋ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለስተ ጋንታታት ኩዕሾ ኢድ ኢትዮጵያ ኣብ ሞሮኮ ከተማ ላዩን ኣብ ዝካየድ መበል 45 ሻምፒዮና ጋንታታት ኩዕሾ ኢድ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፋ ኢየን። እተን ተሳተፍቲ÷ ጋንታታት ኩዕሾ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ፣ መቻልን ቂርቆስ ክፍለ ከተማን ከምዝኾና ሓበሬታ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን የመላኽት፡፡

ኣብ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ ፅጌ ካሕሳይ ብጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ

አዲስ አበባ፣ መስከረም 29፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2024 ፅጌ ካሕሳይ ብጁኒየር ደቂ ኣንስትዮ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ። ሎማዓንቲ ረቡዕ ብደቂ ኣንስትዮ ጁንየር ውድድር ውልቀ ክሮኖ ሜትር ብምትእንጋድ ዝጀመረ ሻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪካ 2024÷ ብደረጃ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ብምስታፍ ብተደጋጋሚ ዓወት…

ኮል ፓልመር ብሉፅ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ እዚ ዓመት ተሸላሚ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ኮል ፓልመር ብሉፅ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዓመተ 2023/24 ብምዃን ተዓዊቱ፡፡ ወዲ 22 ዓመት ኮል ፓልመር ብህዝቢ ብዝተገበረ መረፃ ንተፃዋታይ ጋንታ ሪያል ማድሪዱን ጁድ ቤሊንግሃምን ተፃዋታይ ጋንታ ኣርሰናል ቡካዮ ሳካን ብድምፂ ብምብላፅ ኢዩ ክዕወት ክኢሉ፡፡ ፓልመር ንሃገራዊት ጋንታ…