Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ፓሪሴንት ዥርሜይ ኪሊያን ምባፔ ኣብ መስኮት ዝውውር ክረምቲ ናብ ሪያል ማድሪድ ንምፅምባር ተስማዕሚዑ፡፡ ወዲ 25 ዓመት ፈረንሳዊ ምባፔ÷ ጋንታታት ሪያል ማድሪድን ፒ ኤስ ጂ ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘይራኸባ እንተኾይነን ኣብቀረባ እዋን ንማድሪድ ክታም ኩንትራት ከምዘንብር ትፅቢት ይግበር፡፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ፅዋዕ ዓለም ክዕወት ዝኸኣለ ምባፔ÷ ኣብ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪሴንት ዥርሜይ 244 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፡፡ ምስ ፒ ኤስ ጂ ዘለዎ ኩንትራት ኣብ…
Read More...

ንተፃወትቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፅዋዕ ድሬ ንዝፃወቱ ተፃወትቲ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ። ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝሳተፋሉ ፅዋዕ ድሬ፥ ካብ 16 ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኢንተርናሽናል ስታዲየም ድሬዳዋ ክሳለጥ ኢዩ። ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉን ፃውዒት ዝተገበረሎምን ተፃወትቲ ካብ 13 ለካቲት 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዝተሰናደአሎም…

2ይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ከምዝካየድ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡ ቀዳማይ ዙር ውድድር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ እናተኻየደ ምፅንሑ ዝዝከር ኢዩ፡፡ ካብ መበል 16 ሰሙን…

ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ብምዃን ተሾይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዮሴፍ ገብረወልድ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 20 ዓመት ብምዃን ተሾይሙ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ብኣሰናዳእነት ጋና ኣብ ዝካየድ ውድድር ፀወታታት ኣፍሪካ ተሳታፊት ምዃና ይፍለጥ። ነዚ ድማ ካብ 29 ለካቲት ጀሚሩ ንዝካየድ ውድድር ነታ ጋንታ ንኸሰናድእ ኣሰልጣኒ ዮሴፍ ገብረወልድ ከምዝተሸመ ሓበሬታ…

ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ ቤልግሬድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ 800 ሜትሮ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ ኣብ ቤልግሬድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ውሽጢ ገዛ 800 ሜትሮ ክብረወሰን እቲ ቦታ ብምምሕያሽ ተዓዊታ። ኣትሌት ፅጌ ነቲ ርሕቐት 1 ደቒቕ 59 ሰከንድን 66 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢያ ቅልጡፍ ሰዓት እቲ ቦታን ክብረወሰን ብምምሕያሽን ክትዕወት ዝኸኣለት፡፡ ኣብዚ ርሕቐት ኣትሌት ትግስት…

ፀወታ ሸገር ደርቢ ንፈለማ እዋን ኣብ ዱባይ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ንፈለማ እዋን ኣብ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ከተማ ዱባይ ከምዝካየድ እተን ጋንታታት ኣፍሊጠን፡፡ ጋታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ኢትዮጵያ ቡናን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ ዝቕፅል 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ዱባይ ፀወተአን ከምዘካይዳ ገሊፀን፡፡ ማሕበራት ስፖርት ክልቲአን…

ኬኒያዊ በዓል ዋና ክብረ ወሰን ማራቶን ኣትሌት ከልቪን ኪፕቱም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬኒያዊ በዓል ዋና ክብረ ወሰን ማራቶን ወዲ 24 ዓመት ኣትሌት ከልቪን ኪፕቱም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ። እቲ ኣትሌት ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ህይወቱ ከምዝሰኣነ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። ብተወሳኺ ሩዋንዳዊ ኣሰልጣኒኡ ጋርቫይስ ሃኪዚማና ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ። እዋናዊ…