Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ፋሲል ከነማ ንመቻል ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ንመቻል 4 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢር ብምስዓር ተዓዊታ፡፡ ኣብቲ ፀወታ ንጋንታ ፋሲል ከነማ ጌታነህ ከበደ ክልተ ሸቶታት እንተመዝግብ÷ ዝተረፋ ድማ ቢኒያም ጌታቸውን ምኞት ደበበን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ንመቻል ካብ ስዕረት ዘየድሐና ክልተ ሸቶታት ኣቤል ነጋሽን ፊሊሞን ገብረፃዲቕን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ኣብቲ ሊግ ድሕሪ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ናብ ዓወት ዝተመለሰት ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ27 ነጥቢ መበል 11 ደረጃ እትትቅመጥ…
Read More...

ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ብምዃን ብዘይተነሓናሒ ዳግም ተመሪፆም፡፡ ደቡብ አፍሪካዊ ወዲ 63 ዓመት ፕሬዚዳንት ካፍ እዚ እዋን ፓትሪስ ሞትሴፔ ዳግም ምምራፆም ስዒቡ÷ ክሳብ 2029 ብፕሬዚዳንትነት ክመርሑ ኢዮም። ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ…

ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ሪያል ማድሪድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ናይ መልሲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ሎሚ መዓልቲ ቀፂሎም ካካየዱ ኢዮም፡፡ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣብ ሜዳኣ ምስ ናይ ከተማ ተናሓናሒታ ሪያል ማድሪድ ምሸት ሰዓት ከተተኣናግድ ኢያ። ቀዳማይ ዙር…

ማንቼስተር ዩናይትድ 100 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድ ስታዲየም ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማንቼስተር ዩናይትድ 100 ሺሕ ተመልከትቲ ዘተኣናግድ ሓዱሽ ዓብዪ ስታዲየም ክትሃንፅ ምዃና ዕላዊ ገይራ፡፡ ብክልተ ቢሊየን ፓውንድ ወፃኢ ዝህነፅ እቲ ሓዱሽ ስታዲየም ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ተገሊፁ፡፡ እቲ ሓዱሽ ስታዲየም÷ ኣብ ጥቓ እታ ጋንታ ን115 ዓመታት እናተገልገለትሉ ዝነበረት…

ናይ መልሲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓል ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ናይ መልሲ ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ዝካየዲ እንትኾኑ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ስታዲየም ኣንፊልድ ሮድ ሊቨርፑል ምስ ፒኤስጂ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ። ጋንታ መርሲሳይድ ሊቨርፑል እቲ ፅዋዕ ንምዕዋት ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃበን ጋንታታት ሓንቲ ክትከውን ክኢላ። ኣብ ፈረንሳይ ሊግ አ…

ቼልሲ ንሌስተር ሲቲ ብምስዓር ደረጃኣ ኣመሓይሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ንሌስተር ሲቲ ኣተኣናጊዳ1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡ ብሕታዊት ሸቶ ቼልሲ ማርክ ኩኩሬያ ኣብ መበል 60 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ፡፡ እቲ ውፅኢት ስዒቡ ቼልሲ ብ49 ነጥቢ 4ይ ደረጃ እንትትቅመጥ ሌስተር ሲቲ ብ17 ነጥቢ ኣብ መበል 19…

ኣትሌት ፅገ ገብረሰላማ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ሊዝበን ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፖርቹጋል ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ፅገ ገብረሰላማ ተዓዊታ፡፡ ኣትሌት ፅገ ነቲ ርሕቐት 1 ሰዓት 4 ደቒቕን 21 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ፡፡ ኬንያዊት ኣትሌት ሩዝ ቼፕንጌቲች 2ይ ደረጃ እንትትሕዝ ንስዊድን እትጎዪ ኣትሌት…