ስፓርት
ሊዮኔል ሜሲ ካብ ጉጅለ ሃገራዊት ጋንታ ርጀርንቲና ወፃእ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ብጉድኣት ምኽንያት ሃገሩ ኣብ ትገብሮም መፃረዪ ፀወታታት ፅዋዕ ዓለም ወፃእ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ፡፡
ብመሰረት እዚ ኣርጀንቲ ምስ ብራዚልን ኡራጓይን ኣብ ትገብሮም መፃረዪ ፀወታታት ከምዘይስለፍ ተሓቢሩ፡፡
ሜሲ ትማሊ ለይቲ ንጋንትኡ ኢንተር ማያሚ 1 ሸቶ ኣብ ዘመዝገበሉ ፀወታ ኣብ ስምዒት ሕማም ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣርጀንቲና ሊዮኔል ስካሎኒ 26 ተፃወትቲ ፃውዒት ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ሊዮኔል ሜሲ ኣብቲ ጉጅለ ኣይተፀምበረን፡፡
ነዚ…
Read More...
ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ባርሴሌና ተዓዊቶም
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ባርሴሌና ተዓዊቶም።
ብደቂ ተባዕቲዮ ዝተኻየደ ማራቶን፥ ኣትሌት ተስፋዬ ድሪባ 2 ሰዓትን 4 ደቒቓን 13 ሰከነደን ብምእታው ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብተመሳሳሊ ርሕቐት ብደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት የብርጓል መለሰ 2 ሰዓትን 20 ደቒቓን 47 ሰከንድን ኣብቲ ውድድር…
ኣርሴናል ምስ ቼልሲ ሎሚ ዝገብርዎ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካይድ መበል 29 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሴናል ኣብ ሜድኡ ሰዓት 10 ምስ ቼልሲ ዝገብሮ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
ኣርሴናል ክሳብ ሐዚ ብዝገበሮም ፀወታታት 55 ነጥቢ ብምውህላል ካብ ሊቨርፑል ቀፂሉ ኣብ መበል ካልኣይ ደረጃ ከምዝርከብ ይፍለጥ።
ኣብ…
ኣብ ናንጂንግ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም 14 ኢትዮጵያዊያን ክሳተፉ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝውክሉ 14 ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም፡፡
ኣብቲ ሻምፒዮና ክልተ ግዘ በዓል ክብሪ ዝኾነ መለሰ ንብረትን ሳሙኤል ተፈራ ብደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትር ንኢትዮጵያ ክውክሉ ኢዮም፡፡
በሪሁ ኣረጋዊ፣ ቢኒያም መሓሪን ጌትነት ዋለን ብ3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ…
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ሓሙሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 29 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ ተሳትፎ መድረኽ ኣውሮፓ ወሳንነት ዘለዎም ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎ ቻምፒየንስ ሊግ ንምርካብ ትነሓናሕ ማንቼስተር ሲቲ ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ኢቲሃድ ንብራይተን ክተተኣናግድ ኢያ፡፡
ፅቡቕ ዓመተ ውድድር እናሕለፈት ትርከብ ኖቲንግሀም…
ፋሲል ከነማ ንመቻል ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 22 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፋሲል ከነማ ንመቻል 4 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢር ብምስዓር ተዓዊታ፡፡
ኣብቲ ፀወታ ንጋንታ ፋሲል ከነማ ጌታነህ ከበደ ክልተ ሸቶታት እንተመዝግብ÷ ዝተረፋ ድማ ቢኒያም ጌታቸውን ምኞት ደበበን ኣመዝጊቦምወን፡፡
ንመቻል ካብ ስዕረት ዘየድሐና ክልተ ሸቶታት ኣቤል ነጋሽን…
ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ካፍ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓትሪስ ሞትሴፔ ፕሬዚዳንት ኮንፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣፍሪካ (ካፍ) ብምዃን ብዘይተነሓናሒ ዳግም ተመሪፆም፡፡
ደቡብ አፍሪካዊ ወዲ 63 ዓመት ፕሬዚዳንት ካፍ እዚ እዋን ፓትሪስ ሞትሴፔ ዳግም ምምራፆም ስዒቡ÷ ክሳብ 2029 ብፕሬዚዳንትነት ክመርሑ ኢዮም።
ፕሬዚዳንት ዓለም ለኸ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ጂያኒ ኢንፋንቲኖ…