ስፓርት
ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት 5000 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን።
ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ14:39:71 ቀዳመይቲ ብምውፃእ ክብረወሰን ዓለም እቲ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ።
ኣትሌት መቅደስ ኣለምሸት ድማ ብ14:57:44 ካልአይቲ ብምውፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና።
ብተመሳሳሊ ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ካልኣይ ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ።
ካሊእ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ንብረት ክንዴ ሻድሻይ ደረጃ ብመሓዝ…
Read More...
ኢትዮጵያ ትፅቢት እትግበረሎም ክልተ ውድድራት ፍፃመ ኣትሌቲክስ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ዝካየድ መበል 20 ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ለይቲ 7፡25 ኣብ ዝካየድ 5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት መዲና ኢሳን መቅደስ ኣለምእሸትን ክዕወታ ኢየን ዝብል ልዑል ትፅቢት ኣሎ።
ሰዓት 7፡55 ድማ 5 ሺሕ ሜትሮ ፍፃመ…
ኣብ ቦነስ ኣይረስ ዝተኻደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣርጀንቲና ቦነስ ኣይረስ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገርባ ዲባባ ተዓዊቱ፡፡
እቲ ኣትሌት ነቲ 21 ኪሎ ሜትር ብ1 ሰዓት 26 ሴኮንድ ብዝኾነ ሰዓት ክዕወት ክኢሉ፡፡
ኬኒያውያን ሙዋንጊ ኮስማስን ሪቻርድ ያተር ሪቻርድን 2ይን 3ይን ብምውፃእ ዛዚሞም፡፡
ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቂ…
ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኣብ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌዴሬሽን ናብ ቀፃሊ ዙር ክትሓልፍ ኣከኣለትን
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድመ መፃዪ ፀወታ ፅዋዕ ካፍ ኮንፌዴሬሽን 2024/25 ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብኬንያዊት ጋንታ ኬንያ ፖሊስ ብድምር ውፅኢት ተሳዒራ ካብቲ ውድድር ወፃእ ኮይና።
ክልቲአን ጋብታታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣበበ በቂላ ኣብ ዝገበረኦ ናይ መልሲ ፀወታ÷ ኬንያ ፖሊስ 1 ን 0 ተዓዊታ።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኬንያ ፖሊስ ብሓፈሻዊ…
ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኣብ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ልኡኽ ኣበረታቲዐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ወይዘሮ ሸዊት ሻንካ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ንዝሳተፍ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣበረታቲዐን።
ወይዘሮ ሸዊት ኣብቲ እዋን÷ እቲ ሚኒስቴር ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ስፖርተኛታት ዓቒሚ ብዝፈቐዶ መጠን ኣብ እዋን ምፍናውን ኣቀባብላን ኣብ ጎኖም ከምዝኸውን ብምግላፅ ብዓወትን ብሰላም ንኽምለሱ…
ኣብ መፈለምታ ሰሙን ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃድያ ሆሳእና ክጋጠማ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ምውፃእ ዕፃ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመት 2017 ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
ብመሰረት እዚ፥ ኣብ መፈለምታ ሰሙን መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃድያ ሆሳእና፣ ባህርዳር ከተማ ምስ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ፣ ስሑል ሽረ ምስ ኣዳማ ከተማ፣ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ምስ ወላይታ ዲቻ፣ ኣርባምንጭ ከተማ ምስ ድሬዳዋ ከተማ፣…
ኣትሌት ታምራት ቶላ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ክዕወት ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ታምራት ቶላ ኣብ ኒውዮርክ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ውድድር ማራቶን ክዕወት ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣትሌት ታምራት ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኒውዮርክ ክብረ ወሰን ብብሕያሽ ምዕዋቱ ይዝከር።
ኣብቲ ውድድር ሐዚ አወን ሓዱሽ ክብረወሰን ንምምዝጋብ ከምዝጎዪ ገሊፁ።
ካብ 1970 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ…