ስፓርት
ኣብ ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ንሰበታ ከተማ ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ውዒሉ።
ኣብ መይዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ንጋንታ ሰበታ ከተማ ዘተኣናገደት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ መሪሕነታ ክተጠናኽር ክኢላ።
መቐለ 70 እንደርታ ዝተዓወተትለን ክልተ ሽቶታት፥ ኦኪኪ ኣፎላቢ ኣብ መበል 13ን 46ን ደቕቓ ዘመዝገበን እንትኸውን፥ ብሕታዊት ሸቶ ሰበታ ከተማ ድማ እንዳለ ዘውገ ኣብ መበል 79 ደቒቓ ኣቑፂሩዋ።
ናብ ባህርዳር ተጓዒዛ…
Read More...
ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግጥም መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ቡሩንዲ ክትራኸብ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 09 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግጥም መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ቡሩንዲ ክትራኸብ ኢያ።
ብኣሰናዳእነት ሃገራት ኮስታሪካን ፓናማን ዝሳለጥ 10ይ ግጥም ፅዋዕ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕላፍ ኣብ ዝግበር መፃረዪ ፀወታ ኢያ እታ ሃገራዊት ጋንታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቡጁምብራ ምስ…
ስሑል ሽረ ኣብ ልዕሊ ፋሲል ከነማ 2 ንባዶ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል ታሽዓይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ስሑል ሽረን ፋሲል ከነማን ፀወተአን ኣብ ስታዲየም ትግራይ ኣካይደን።
ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ስሑል ሽረ ኣብ ልዕሊ መጋጥምታ ፋሲል ከነማ 2 ንባዶ ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኣላ።
እተን ሸቶታት ሳሊፍ ፎፋና ኣብ መበል 86…
ቀነኒሳን ኪፕቾጌን ኣብ ለንደን ማራቶን ዝገብሩዎ ንሕንሕ ዓለም ብሃንቀውታ ይፅበዮ ኣሎ
አዲሰ አበባ፣ 08 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ኬንያዊ ኣትሌት ኤልዩድ ኪፕቾጌ ኣብዚ ዓመት ዝገብሩዎ ንሕንሕ ለንደን ማራቶን ዓቢዪ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።
ኣትሌት ቀነኒሳ ናይ ማንም እዋን ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ማራቶን ዓለም ዘመዝገበ እንትኸውን፥ ኪፕቾጌ ድማ በዓል ቤት ክብረ ወሰን ማራቶን ዓለም ኢዩ።
ወዲ 37 ዓመት…
ኣብ ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 07 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ሪፎርም ስፖርት ኣድሂቡ ምስ ኣመራርሓ ወረዳ፣ ፌደሬሽንን ኣብያተ ዕዮ መንግስትን እናተዛተየ ምዃኑ ገሊፁ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ቀፅሪ ዓዲ ሓቂ ካምፓስ ዝሳለጥ ዘሎ እቲ ዘተ፥ ብብርኪ ሃገር ተመሓይሾም ዝተባሃሉን ዝትግበሩ ዘለውን ሪፎርምታት ስፖርት ንምርኣይ ዝዓለመ…
ጋንታ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ወልዋሎ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ናብ ሜዳኣ ክትምለስ ኢያ።
ኣብ መወዳእታ ዓመተ 2010 ሕድሳቱ ብምጅማር ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ፅገና ዝፀንሐ መይዳ ወልዋሎ ኣብ ምዝዛም ከምዝርከብ ተገሊፁ።
እቲ ስታዲየም ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ሕድሳቱ ክጓተት እኳ እንተፀንሐ፥ ኣብዚ ሐዚ…
ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ሾይማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፔናዊት ውርይቲ ጋንታ ባርሴሎና ንኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ብምስንባት ንነበር ኣሰልጣኒ ሪያል ቤቲስ ኪኬ ሴቲዬን ሓዱሽ ኣሰልጣኒ ብምግባር ምሻማ ተገሊፁ።
ወዲ 55 ዓመት ኣሰልጣኒ ኤርኔስቶ ቫልቬርዴ ንጋንታ ባርሴሎና ኣብ ዝመርሑሉ እዋን እታ ጋንታ ክልተ ፅዋዕ ላሊጋ ስፔን ክተልዕልን ናይዚ ዓመት ውድድር ድማ ብኣፈላላይ ነጥቢ…