ስፓርት
ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ማዕረ ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ፀወታ ቤትኪንግ ኣብ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ቅዱስ ጊዮርጊስን ጅማ አባ ጅፋርን ሓደ ማዕረ ተፈላሊየን።
ጌታነህ ከበደ ቅድሚ ዕረፍቲ ንጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ሽቶ እንተመዝግብ፥ ተመስገን ደረሰ ድማ ድሕሪ ዕረፍቲ ንጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር ኣመዝጊቡ፡፡
ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ብ18 ፀወታ 45 ነጥቢ ብመሓዝ እናመርሐት ትርከብ፡፡
ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡና 33 ነጥቢ፤ ቅዱስ ጊዮርዲስ 31 ነጥቢ ብመሓዝ ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብምዃን ይስዕባ ኣለዋ፡፡
ጅማ ኣባ ጅፋር…
Read More...
ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ዝግበሩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ክመርሕ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ኣብ ቶኪዮ ኦሎምፒክ ዝግበሩ ውድድራት ኩዕሶ እግሪ ከምዝመርሕ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ብዳኝነት ኩዕሶ እግሪ ቶኪዮ ኦሎምፒክ በቲ ዋና ዳይና ከትውከል ኢያ ኢሉ።
ኢንተርናሽናል ዋና ዳይና ባምላክ ተሰማ ብዳይነት ምሕራዩ ፊፋ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ…
ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ፕሪሜርሊግ ምምላሳ ኣረጋጊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ መከላከያ ናብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ምምላሳ ኣረጋጊፃ።
ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምድብ “ሀ” እናተወዳደረት ትርከብ ጋንታ መከላከያ፥ ኣብ ዘበነ 2014 ዓ.ም ሪሜርሊግ ተሳትፎኣ ዘረጋገፀትሉ ውፅኢት ኣመዝጊባ፡፡
ሎሚ መዓልቲ ምስ ጋንታ ደብረ ብርሃን ዝተፃወተት መከላከያ ብብሕታዊት ሽቶ…
ክልተ ጋንታታት ቮሊቦል ኣብ ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ቱኒዚያ ኣምሪሐን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ጋንታታት ቮሊቦል ኣልኮልን ወላይታ ሶዶ ዩንቨርስቲን ኣብ ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪካ ንምስታፍ ናብ ቱኒዚያ ከምዘምረሓ ኮሚሽን ስፖርት ኣፍሊጡ።
እተን ጋንታታት ብደቂ ኣኒስቲዮ እንትሳተፋ ንፈለማ እዋን ኢዩ ተባሂሉ።
ሻምፒዮና ውድድር ጋንታታት አፍሪካ ዓለተ 2021 ኮንፌዴሬሽን ቮሊቦል ኣፍሪካ ከምዘዳለዎ ተገሊፁ።…
ናሳ ናብ ማርስ ሄሊኮፕተር ልኢኹ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢንጂነራት ትካል ምርምር ጠፈር ኣሜሪካ (ናሳ) ንፈለማ እዋን ሄሊኮፕተር ናብ ማርስ ምልኣኹ ኣፍሊጡ።
ኣብ ዙሪያ ምህዋር ክትትበርር ኢያ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ብመጠን ኣዚያ ዝነኣሰት ከምዝኾነት ተገሊፁ፡፡
ኢንጂ ኒውቲ ዝተብሃለት እታ ሄሊኮፕተር፥ ካብ ፀፍሒ ማርስ ብሰለስተ ሜትሮ ብራኸ ክትበርር ኢያ ተባሂሉ፡፡…
ኣብ ፀወታ ፕሪሜርሊግ ጋንታ ሰበታ ከተማ ዓወት ቀኒዑዋ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሰበታ ከተማ ንጋንታ ጅማ ኣባ ጅፋር 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።
ኣብቲ ፀወታ ሱራፌል ኣወል ኣብ መበል 32 ደቒቕ ዘመዝገባ ሽቶ ጅማ ኣባ ጅፋር መሪሕ ኮይና ትንበር እምበር፥ ኦሲይ ማውሊ ድሕሪ ዕረፍቲ ብዘመዝገበን ሽቶታት ሰበታ ከተማ ተዓዊታ ክትወፅእ ክኢላ።
እተን…
ተዓዋቲት ጋንታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ብር 1 ሚሊየን ሽልማት ክብርከተላ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ተዓዋቲት ጋንታ ቤት ኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ተሸላሚት ብር 1 ሚሊየን ከምትኸውን ኩባኒያ ኣክሲዮንቤት ኪንግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እቲ ኩባኒያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሃቦ መግለፂ፥ ኩለን ተሳተፍቲ ክለባት ከከም ደረጀአን ሽልማት ከምዝብርከተለንን ካልአይቲ ንዝወፅአት ጋንታ ብር 700 ሺሕ ከምኡ እውን 3ይቲ ንዝወፅአት 500 ሺሕ…