ስፓርት
ጋንታ ሸገር ከተማ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓብያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ምድብ ሓደ እናተሳተፈት ትርከብ ጋንታ ሸገር ከተማ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምዕባያ ኣረጋጊፃ።
ሎሚ መዓለቲ መበል 18 ናይ ምድብ ፀወታ ዘካየደት ሸገር ከተማ ንእንጅባራ ከተማ 5 ን 1 ክትስዕር ክኢላ።
እቲ ውፅኢት ስዒቡ ነጥባ 45 ዘብፀሐት ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ሸገር ከተማ ኣርባዕተ ፀወታታት እናተረፋ ኣቐዲማ ናብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምዕባያ ኣረጋጊፃ፡፡
ብወርቅነህ ጋሻሁን
Read More...
ናይ ትማሊ ዓወት ንዝቕፅል ፀወታ ዓቕሚ ክኾነና ኢዩ – ኣሰልጣኒ መሳይ ተፈሪ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ መሳይ ተፈሪ ትማሊ ምሸት ንጅቡቲ 6 ን 1 ብዝኾነ ሰፊሕ ውፅኢት ምስ ሰዓሩ እቲ ፀወታ ምስዓር ልዑል ትርጉም ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ዓወት ንዝቕፅሉ ፀወታታት ዓቕሚ ከምዝኾኖም ብምሕባር፤ ኣብቲ ፀወታ ካብ ሓላዊ ልዳት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ቅድሚት መስመር ዘለዉ ተፃወትቲ ዝሐሸ ምንቅስቓሰ…
ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ከምዝተገበረሉ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡…
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ተዓዊተን።
ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን 1ይቲን 2ይቲን ብምውፃእ ኢየን ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂን ብሩርን ከምፅኣ…
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሉ ውድድር ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ፍፃመ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ይግበረለን።
ቀትሪ ሰዓት 9፡28 ብ1500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ክዕወታ ትፅቢት ይግበረለን።
ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ቀትሪ…
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቻይና ናንጂንግ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።
ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ሜዳሊያ ወርቂ ንሃገራ ኣምፂኣ።
ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።