Fana: At a Speed of Life!

ስጉምቲ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ህዝቢ ተሓሳቢ ምግባር ይግባእ – ተወለድቲ ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዘሎ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ በዓል ውዕለታን መኸታን ሃገር ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ተወለድቲ ትግራይ ኮኒኖም።

ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ከምዝድግፉ እውን ገሊፆም።

ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ተወለድቲ ትግራይ፣ ደገፍቲን ነበርቲን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ሓሳቦም ዝሃቡ እቶም ተወለድቲ ትግራይ ከምዝበሉዎ፥ ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክል ህወሓት እንድሕር ተወጊዱ ህዝቢ ሰላሙን ናፅቱን ከረጋግፅ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ጉጅለ ዝርከቡ መራሕቲ ተታሒዞም ናብ ሕጊ ቀሪቦም ልዕልነት ሕጊ እንታይ ማለት ከምዝኾነ ክፈልጡ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝወሰዶ ስጉምቲን ዕድመ ልክዑ እናሰርሖ ዝነበረ ጥፍኣትን ናይ ኢዱ ክረክብ ከምዝግባእ እቶም ነበርቲ ተዛሪቦም፡፡

መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ስጉምቲ እንትወስድ ህዝቢ ተሓሳቢ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ፥ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ገበነኛ ህወሓት ኢዩ ኢሎም።

ክሕደት እቲ ጉጅለ፥ ብዘይኣግባብ ንምህፍታም ካብ ምሕሳብን ስልጣን ካብ ዘይምልቃቕን ዝተበገሰ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

እቲ ጉጅለ ብሰላማዊ መስመር ንኸኣቱ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ይገበር እምበር ሰላማዊ ኣማራፂ ክጥቀም ከምዘይደሊ ብተግባር ከምዘርኣየ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ እናተወሰደ ዝርከብ ስጉምቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ዓሊሙ ከምዝኾነ እውን እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.