Fana: At a Speed of Life!

ስድራቤት ሕብረት ስራሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስድራቤት ሕብረት ስራሕ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንዝርከቡ ተመዛበልቲ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ናውቲ ቀዳማይ ዙር ሓገዝ ገይሮም።

እቶም ኣባላት ስድራቤት ሕብረት ስራሕ ዝገበሩዎ ሓገዝ፥ ክዳውንቲ፣ ምግቢ፣ መገልገሊን መሐለዊ ፅሬትን ናውቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ወገናት ኣብ ዝርከቡሉ ከተማ ውርጌሳ ብምርካብ ሓገዝ ዘረከቡ ኣማኻሪ ኮሚሽን ሕብረት ስራሕ ኣይተ ዳቦሬ ቡሴር፥ “ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣብ እዋን ፀገም ምትሕግጋዝን ንኽብሪ ሃገርና ብሓባር ደው ምባልን ባህሊና ጥራሕ ዘይኮነስ ጉዳይ ህልውና ኢዩ” ኢሎም፡፡

“ኣብ መዕቖቢ ዝርከቡ ወገናት ምርኣይና እውን ንኻልኣይ ዙር ድጋፍ ንምትሕብባር ትኹት ክንገብር ገይሩና ኢዩ” ምባሎም ካብ ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.