Fana: At a Speed of Life!

ስዩም ከበደ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሲዳማ ቡና ብምዃን ተሾይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ ዋኒ ኣሰልጣኒ ጋንታ ሲዳማ ቡና ብምዃን ተሾይሞም።

ኣብ 2013 ዓ.ም ቤትኪንግ ፕሪሚየር ኢትዮጵያ ጋንታ ፋሲል ከነማ ሻምፒዮን ንኽትከውን ዝገበረ ኣሰልጣኒ ስዩም ከበደ÷ ኣብዚ ዓመት ዝኸፍአ ኣጀማምራ ዝገበረት ጋንታ ሲዳማ ቡና ብዋና ኣሰልጣኒነት ተረኪቦም፡፡

ኣብ መስኮት ዝውውር ልዑል ምንቅስቓስ ብምግባር ሓደሽቲ ተፃወትቲ ክተፈርም ዝኸኣለት ጋንታ ሲዳማ ቡና ትፅቢት ዝግበረላ ውፅኢት ክትረክብ ኣይከኣለትን፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየደቶም ሰለስተ ፀወታታት ምስ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ 2 ማዕረ ዝተፈላለየት እንትትከውን÷ ብጋንታ ሃዲያ ሆሳእናን ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስን ድማ ስዕረት ኣተኣናጊዳ ኢያ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.