Fana: At a Speed of Life!

ስዕረት ተጎልቢቡ ናብ ትግራይ ዝሃደመ ወራሪ ሓይሊ ህወሓት ናይ ተዓዋታይ ኣቀባብላ ክግበረሉ ይፈትን እምበር ተቓውሞ ይገጥሞ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ስዕረት ተጎልቢቡ ምዉት፣ ቁሱልን ሙሩኽን ካብ ምዃን ዝተረፈ ዕጡቕ ሓይሊ ህወሓት ናብ ትግራይ እንትኣቱ ናይ ተዓዋታይ ኣቀባብላ ክግበረሉ ይፈትን እምበር ተቓውሞ እናገጠሞ ምዃኑ እሙናት ፍልፍላትና ገሊፆምልና።

ከም ፍልፍላት ሓበሬታትና እንተኾይኑ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ዝፈፀሞ ወራር ተመኪቱ ስዕረት ኣጋጢሙዎ ናብ ትግራይ እናኣተወ ይርከብ፡፡

ስዕረቱ ክወሓጠሎም ዘይከኣለ ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ፥ እቲ ሓይሊ ልዑል ዓወት ኣመዝጊቡ ዝመፅአ ብምምሳል ናይ ተዓዋታይ ኣቀባብላ ንኽግበረሉ ይመኽሩ ኣለዉ፡፡

ዕጡቓት ናብ ከተማ እንትኣትዉ ጥይት ናብ ሰማይ ብምትኳ ብኸበሮን ጥሩምባን ክዕጀቡ ፃዕሪ ይገበር እምበር ብዙሓት ደቁ መስዋእቲ ዝገበረን “ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ኣብ ጫፍ በፂሕና” ብዝብል ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ እናደናገረ ከምዝነበረ ዝተገንዘበ ሕብረተሰብ ነቲ ኣጋጣሚ ተቓውሙኡ ንምግላፅ ይጥቀመሉ ኣሎ፡፡

ብዓወት ከምዝተመለሱ ንምምሳል ይፈትኑ እምበር ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስዕረቶም ንምሽፋን ከምኡ እውን ሕዚ እውን ናይ ሕሶት ወፍሪ ብምንዛሕ ሕብረተሰብ ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ የብሉን ብዝብል ንዕቐት ንተወሳኺ እኩይ ዕላመኦም ንምልዕዓል “ልዑል ዓወት ኣመዝጊብና ኢና፤ ንፀላኢ ናብ ንደልዮ ስሒብና ስለዘምፃእናዮ ሕዚ እውን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ መስዋእቲ ዝሓትት እዋን ንርከብ” ይብሉ ኣለዉ፡፡

“ዝመፅአ ፀላኢ ንምድምሳስ ተወሳኺ ሓይሊ ስለዘድሊ ኩሉ ትግራዋይ ተኻፋሊ እቲ ዓወት ንኽኸውን ናብ ግምባር ክፅምበር ኣለዎ፤ ኩሉ ሰብ ዘለዎ ሃፍቲን ጥሪትን ንወፍሪ ከውዕል ኣለዎ” ብምባል ጎስጓ እናገበሩ ከምዝኾኑ ፍልፍላትና ኣረጋጊፆምልና፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.