ስዊዘርላንድ ኣብ ዘፈር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ምስ ኢትዮጵያ ርክባ ክተጠናኽር ከምትደሊ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ኢትዮጵያ ታማራ ሞና ተዛቲዮም፡፡
ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ስዊዘርላንድን ዘሎ ዝፀንሐ ታሪኻዊ ርክብ ኣብቲ እዋን ዘተ ንኢዶም።
ክልቲአን ሃገራት ስሩዕ ምይይጥ ፖለቲካን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣብ ምጅማር ርክበን ንምጥንኻር ዘለወን ዓቕሚ ክፍትሻ ከምዝግባእ ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣገንዚቦም።
ኣይተ ደመቀ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን መንግስቲ እናሳለጦም ዝርከቡ ስራሕቲ ህንፀትን ነተን ኣምባሳደር ኣብሪሆምለን።
ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ብግደአን፥ ሃገረን ንፈለማ እዋን ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ ኣባል ምዃና ኣባልነታ ኣብ ዘላቒ ሰላም፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ኣብ ውፅኢታውነት እቲ ትካልን ምኽባር መሰል ዜጋታትን ኣቐዲማ ከምትሰርሕ ገሊፀን።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ቀዋሚት ኣባል ኮይና ንብዙሕ ዓመታት ዝሰርሀት ብምዃና፥ ልምዳ ንስዊዘርላንድ ንኽተካፍል ምሕታተን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com