Fana: At a Speed of Life!

ስርናይ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ቅድመ ምድላው ይገብር ኣለኹ – ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ስርናይ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ምስ ለኣኽቲ ዘተ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ÷ ኢትዮጵያ ሓገዝ ስርናይ ካብ ምእታው ሓሊፋ ፅሬት ዘለዎን ደረጅኡ ዝሓለወን ስርና ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንምቕራብ ቅድመ ምድላው እናገበረት ከምዝኾነት ተዛሪቦም፡፡

ናብ ወፂኢ ዝለኣኽ ስርናይ ካብ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ዝተረፈ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ነዙይ ንምሕጋዝ ብወገን መንግስቲ ልዑል ትኹረት ተዋሂቡዎ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ስርዓት ዘፈር ንግዲን ላይሰንሲንግ ኣይተ ተሻለ በልሁ ብግደኦም÷ ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ተወዳዳሪ ኮይኑ ንኽቐርብ ጉዳይ ፅሬት ናብ ድርድር ክቐርብ ከምዘይግበኦ ለኣኽቲ ነዚ ኣብ ግምት ከእትዉ ከምዘለዎምን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.