Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4 መጋቢት 2014 ዓ.ም ክፍፀም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ 4 መጋቢት 2014 ዓ.ም ከምዝፍፀም ኢዩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ መንበረ ፀባኦት ካቴድራል ቅድስት ስላሴ ሰንበት 4 መጋቢት 2014 ዓ.ም ድሕሪ ስርዓተ ቅዳሰ ከምዝፍፀም ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ከምዝወሰነ፤ ሓላፊ መምርሒ ርክብ ህዝቢ እታ ቤተ ከርስትያን ሊቀ ትጉሃን እስክንድር ገብረክርስቶስ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ቅድም ክብል ስነስርዓት ቀብሮም መፃኢ ሰንበት ንኽፍፀም ተወሲኑ ዝነበረ ይኹ እምበር፥ ኣብ ወፃ ዝርከቡ ስድረኦምን መራሕቲ ሃይማኖት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ንኽርከቡ ብምሕሳብ ናብ 4 መጋቢት ከምዝተዘዋወረ ተሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ብሕክምና እናተሓገዙ ፀኒሖም ትማሊ ምሸት ከምዝዓረፉ ይፍለጥ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.