Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ምፍናው ታቦት /ከተራ/ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ-ስርዓት ምፍናው ታቦት /ከተራ/ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብተኸተልቲ እምነት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስነ-ስርዓት ምፍናው ታቦት ንምዕም ተኸተልቲ እቲ እምነት ከካብ ኣድባራት ዝመፅ ታቦታት ዓጂቦም ናብ ጃን ሜዳ እናኸዱ ይርከቡ፡፡

እቶም ታቦታት ካብ ኣድባራት ወፂኦም ብካህናት፣ ዲያቆናት፣ መዘምራንን ምእመናትን ተዓጂቦም ኢዮም ነናብ ጥምቀተ ባሕሪታት እናኸዱ ዝርከቡ።

ፅባሕ ድማ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ሰነ-ስርዓታት ክኽበር ኢዩ።

በዓላት ከተራን ጥምቀትን ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና ኣብ ኣደባባይ ካብ ዝኽበሩ በዓላት ዝፅርሑ ኢዮም።

ብፌቨን ቢሻው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.