Fana: At a Speed of Life!

ስነ ሰርዓት ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ክፍፀም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ቀብሪ መበል ራብዓይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ክፍፀም ኢዩ።
ዓብዪ ኮሚቴ ኣፈፃሚ እቲ ስርዓተ ቀብሪ ኣብ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ስርዓተ ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ንምፍፃም 12 ኣባላት ዘለውዎ ዓብዪ ኮሚቴን ኣብ ትሕቲኡ ድማ 5 ንኡሳን ኮሚቴን ብምጥያሽ ይስራሕ ከምዘሎ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣቡነ ዮሴፍ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ቀፃሊ ዕለተ ቀዳም 3 መጋቢት ኣስከሬኖም ካብ ዝዓረፈሉ ብሞተር ተዓጂቡ ናብ መስቀል ኣደባባይ ከምዘምርሕ ተገሊፁ።
መርሃ ገብሪ ምፍናው ዝግበረሉ እንትኸውን፥ ሃይማኖታዊ ሰነ ስርዓት ክፍፀሙ ኢዮም ተባሂሉ።
ስነ ሰርዓት ቀብሮም ድማ ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት 4 መጋቢት 2014 ዓ.ም ኣብ ቅድስት ስላሴ ካቴድራል ብክብሪ ከምዝዓርፍ ተገሊፁ።
ብፀጋየ የወንድወሰን
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.