Fana: At a Speed of Life!

ስነ ሰርዓት ምፍናው ኣስከሬን በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነ ሰርዓት ምፍናው ኣስከሬን በየነ ጴጥሮስ(ፕ/ር) ኣብ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ፣ ስድራን ፈተውቲን ከምኡውን ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካ ተረኺቦም።

እቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው እንትዛዘም፥ ስነ ሰርዓት ቀብሪ ሎሚ ሰዓት 8 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ መካነ መቓብር ክፍፀም ኢዩ ተባሂሉ።

በየነ (ፕ/ር) ብዘጋጠሞም ሕማም ልቢ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ኬኒያን ሕክንኦም እናተኸታተሉ ድሕሪ ምፅናሕ 7 መስከረም 2017 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዮም ይዝከር።

በየነ ጴጥሮስ (ፕ/ር) 4 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ጥናት ኢትዮጵያ ብምዃን ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተሸይሞም እናገልገሉ ምፅንሖም ይዝከር።

ኣብቲ ኢንስቲትዩት ንተምሃሮ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ስልጠና ብምድላው ሙየኦም ንከማዕብሉ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ተገሊፁ።

ብፍሬሕይዎት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.