Fana: At a Speed of Life!

ስነስርዓት ምውፃእ ዕፃ ኣባይቲ ፍትሓውነት ብዘንግስ መገዲ ንምፍፃም ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስነስርዓት ምውፃእ ዕፃ ኣባይቲ ፍትሓውነት ብዘንግስ መገዲ ንምፍፃም ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

እተን ከንቲባ፥ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣማራፅታት ኣቕርቦት መንበሪ ሓባር ኣባይቲ  ብምዝርጋሕ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝወፅአ ዕፃ ነዝበፅሖም ተረባሕቲ እንኳዕ ደስ በለኩም እውን ኢለን።

ኣብ ክሊ ፈተና ብዙሓት ዕድላትን ውፅኢታትን ብምምዝጋብ ኣብዚ በፂሕና ኣለና ብምባል ገሊፀን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 21 ቢሊየን ብር ካብ ባንኪ ንግዲ ብምልቃሕ እቶም ዘጋጠሙ ፀገማት ብምቕራፍን ክትትል በምግባርን እቶም ኣባይቲ ናብ ዕፃ ንክበፅሑ ምግባሩ ሓቢረን።

ስለዝኾነ ስነስርዓት ምውፃእ ዕፃ ኣባይቲ ፍትሓውነት ብዘንግስ መገዲ ንምፍፃም ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.