Fana: At a Speed of Life!

ስትራቴጂ ግሎባል ቫይታል ንግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዝገብሮ ድጋፍ ከምዘቐፅል ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም)ዋና ዳይሬክቴር ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት ምስ ፕሬዚዳንት ስትራቴጂ ግሎባል ቫይታልን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ሜሪ ኣንን (ዶ/ር) ዘትዮም፡፡

እተን ዋና ዳይሬክተር፥ እቲ ትካል ኣብ ክሊ ምዝገባ ሲቪልን ቤተሰብን ቅድመ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲን ኣብ ቀፃሊ ድጂታል ኣብ ምግባር ዝስርሑ ዘለዉ ተግባራትን ኣብራህሪሄን፡፡

ክሳብ ሕዚ ንዝተገበረ ደገፍ ድሕሪ ምንኣድ፥ ኣብ ቀፃሊ ብብርኪ ሃገር ተመሳሳሊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ስርዓት ንምህናፅ ሓገዝ ክካየድ ሓቲተን፡፡

ሜሪ ኣን (ዶ/ር) ብግደአን፥ ሲቪልን ቤተሰብን ምዝገባ ምስ ዓዉዲ ጥዕና ብዝተዋደደ መገዲ ምስራሕ ረብሕኡ ዕዙዝ ምዃኑ ምግላፀን ኣብቲ ግልጋሎት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ ዓዉዲ ቕድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ክካይድ ምፅንሑን ኣብ ቀፃሊ እዉን እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣረጋጊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.