Fana: At a Speed of Life!

ስብእና መንእሰይ ንምቕራፅን ሃገር ንምስጋር ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናይ ለውጢ ትውልዲ” ዝተብሃለ ስብእና መንእሰይ ንምቕራፅን ሃገር ንምስጋር ዝዓለመ ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ እቲ ፕሮጀክት ቅን ቢዝነስ ግሩፕ ምስ ዝተብሃለ መንግስታዊ ዘይኮነ ትካል ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ኣብ ዝቕፅሉ 8 ዓመታት ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝትግበር ከምዝኾነን 20 ሚሊዮን መናእሰይ ተበፃሕቲ ንምግባርን ከምዝተሓሰበ ኣብሪሀን።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ መናእሰይ ስልጠና ብመሃብ ስብእነኦም ዝተሃነፀ፣ ህይወቶም ዝተለወጠ፣ ንሃገረፕምን ወገኖምን ማሕበራዊ ግልጋሎት ዝህቡ መናእሰይ ምብቃዕ ከምዝኾነ ኣመልኪተን፡፡

በዚ ድማ ንኢትዮጵያ ናብ ዝደመቐ ብራኸኣ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብስምዒት ወናንነት ዝረባበረቡ መናእሰይ ንምፍራይ ከምዝስራሕ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.