Fana: At a Speed of Life!

ስብራት ዓውዲ ሕርሻና ንምፅጋን ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ውፅኢታዊ ይኸውን ኣሎ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወሓዚ ሩባ ዋቢ ሸበሌ ብምጥቃም ኣብ ክልል ሶማሌ ዞባ ሸበሌ ወረዳ ቤርዓኖ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ሕርሻ ሎሚ መዓልቲ ዑደት ገይሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ስብራት ዓውዲ ሕርሻና ንምፅጋን ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ውፅኢታዊ ይኸውን ከምዘሎ እዚ ከባቢ ሓደ መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣኒይ ኣሕመድ ኣብ ወረዳ ቤርዓኖ ኣብ ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ መስኖ ኣብ ዝነበሮም ዑደት፥ ኣብቲ ክልል ብግብርናን መሰረተ ልምዓትን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ይዕመሙ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብ ክልል ሶማሌ ክሕረስ ዝኽእል 10 ሚሊየን ሄክታር መሬት ከምዘሎ ብምሕባር፥ ካብ መንጎ እዚ እቲ 25 ሚኢታዊ ብመስኖ ክለምዕ ይኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ወረዳ ቤርዓኖ ብሓረስቶት፣ ሰብ ሃፍቲን መንግስቲን ዝለምዐ መሬት ነዚ መርኣያ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ዝርከብ ሃፍቲ መሬት ብኣግባብ ብምጥቃም በምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝግበር ጉዕዞ ዘቀላጥፍ ኢዩ ኢሎም።

ብመንፅር መሰረተ ልምዓት ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ 2 ሺሕ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን መገዲ ኣስፋልት ህንፀት ስራሕቲ የካይድ ከምዘሎ ገሊፆም።

ካብ መንጎ እዚ ካብ 700 ክሳብ 800 ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ህንፀት መገዲ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ሓቢሮም።

ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ መዕርፎ ነፈርቲ እውን ብፅርየትን ስፍሓትን ኣብ ኩለን ክልላት ካብ ዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ዝሓሸ ኢዩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.